ኢትዮጵያን ተርኪሚኒስታንን ዘይፍትሓዊ ዝኾኑ ፈተናታት ኣፍ ደገ ባሕሪ ብሓባር ንምፍታሕ ከምዝሰርሓ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ተርኪሚኒስታንን ዘይፍትሓዊ ዝኾኑ ፈተናታት ኣፍ ደገ ባሕሪ ብሓባር ንምፍታሕ ከምዝሰርሓ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ተርኪሚኒስታንን ብምኽንያት ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ከምኡ እውን ዞባዊ ውህደትን ንግድን ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ በፂሐን።
መበል 3ይ ጉባኤ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ኣብ ምዕባይ ዝርከበ ሃገራት ውሕመ (UNLLDC3) "ብምሕዝነት ለውጢ ምምፃእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣዳለውነት ተርኪሚኒስታን ይሳለጥ ኣሎ።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ርክብ ንግድን ኢኮኖሚ ወፃእን ተርኪሚኒስታን ናዛር ሃልናዛሮቪች ኣጋሃኖቭ ዘትዮም።
እቶም ሚኒስትራት፤ ክልቲአን ሃገራት ዘይፍትሓዊ ዝኾነ ፈተና ኣፍ ደገ ባሕሪ ብሓባር ንምፍታሕ ዝዘተዩ እንትኸውን ንግድን ዕቤት ኢከኖምን ኣብ ምቅልጣፍ ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ቅልጡፋትን ንእሽተይ ወፃኢ ዘለዎምን መፍትሕታት ትራንስፖርት ንምፍጣር ዝገብርኦ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።
ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፤ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይምህላው ንነዊሕ እዋን ልምዓት ሃገራት ዘተዓናቕፍ መልክኣ ምድራዊ ፈተና ከምዝኾነ ብምሕባር እዚ ፈተና ናብ ሰናይ ዕድል ንምቕያር እዚ ዓለም ለኸ መድረኽ ዓብይ እጃም ከምዝህልዎ ዘለዎም እምነት ሓቢሮም።
ሚኒስትር ርክብ ንግድን ኢኮኖሚ ወፃእን ተርኪሚኒስታን ናዛር ሃልናዛሮቪች ኣጋሃኖቭ ብግደኦም፤ ዞባዊ ውህደት ዕቑር ሃፍቲ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ንምውፃእ ቁልፊ እዩ ኢሎም።
መፍትሒኡ እውን ኣብ ውሽጢ ዞባአን ዘይተቛረፀ ፍሰት ሸቐጥ፣ኣገልግሎትን ሓሳብን ብዝፈጥር መልክዑ መስመር ርክብ ምዝርጋሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ተርኪሚኒስታን እዚ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅን ኣድላይ ስምምዓት ንምፍፃምን ድልውቲ እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ፃዕሪ ከም ቀንዲ መሓዛ ከምዝሪእዋን ከምቲ ሃገሮም መእተዊት በሪ ማእኸላይ ኤስያ ዝኾነት ኢትዮጵያ እውን መእተዊት በሪ ኣፍሪካ ከምዝኾነትን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያን ተርኪሚኒስታንን ምሕዝነተን ንምስፍሕፋሕን ኣብ ባህላዊ መስመራት ንግዲ ዘለወን ፅግዕተኝነት ንምቕናስን ከምኡ እውን ኣብ ዝተቐላጠፈ ኣሰራርሓ መሰረት ዝገበረ ሓዱሽ ምሕዝነት ንግዲ ንምምስራት ኣብ ስምምዕ ምብፀሖም ኢዜኣ ካብቲ ቦታ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር።