ሎሚ ዓመት ኣብ ዝሳለጥ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ጥዕና ን5 ሚልዮን ሰባት ተበፃሒ ንምግባር ናብ ተግባር እናተሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ዓመት ኣብ ዝሳለጥ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ጥዕና ን5 ሚልዮን ሰባት ተበፃሒ ንምግባር ናብ ተግባር እናተሰርሐ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2017(ኢዜኣ) ሎሚ ዓመት ኣብ ዝሳለጥ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ጥዕና ን5 ሚልዮን ከፊሎም ምሕካም ዘይኽእሉ ሰባት ተበፃሒ ንምግባር ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ምስ ኮሚሽን ምትሕብባር ተሳትፎ ሕብረተሰብን ሰናይ ፍቓድን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር “ወለንታውነት ንጥዕና ዘለዎ ማሕብረሰብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ምጅማር ነፃ ምርመራ ጥዕና ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ኣሳሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት፤ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ምኽሪ ጥዕና፣ ምርመራን ሕክምናን ዝወሃበሉ እዩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደሰ ዳባ ሓዊሱ ዋና ዳይሬክተር ሆስፒ ኤካ ኮተቤ ዶክተር ሙሉቀን ተስፋዬን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደሰ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ምሃብ ዝሓትት ስራሕ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ከምዝተሳለጡ እውን ሓቢረን።
ኣብዞም ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ እውን ን4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ዜጋታት ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ሎሚ ዓመት እውን ን5 ሚልዮን ዜጋታት ተባፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ ኢለን።
ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን80 ሽሕ ዓቕሚ ዘይብሎም ነፃ ምኽርን ምርመራን ጥዕና ከምኡ እውን ሕክምና ዝተውሃበ እንትኸውን ሎሚ ዓመት እውን ን100 ሽሕ ሰባት ተባፃሒ ንምግባር ከምዝስራሕ ተዛሪበን።
ስራሕ ሰናይ ፍቓድ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣረዲአን።
ዋና ዳይሬክተር ሆስፒ ኤካ ኮተቤ ዶክተር ሙሉቀን ተስፋዬ ብግደኦም፤ እቲ ኣገልግሎት ሰብ ሞያ ጥዕና ወለንታዊ ስርሖም ብተግባር ዝፍፅምሉ እዩ ኢሎም።