ተሳትፎ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝግድብ ዘይ ፍትሓዊ ስርዓት ንግዲ ክመሓየሽ ይግባእ - ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2017 /ኢዜኣ/ ተሳትፎ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝግድብ ዘይፍትሃዊ ስርዓት ንግዲ ዓለም ክመሓየሽ ኣለዎ ክብሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣገንዚቦም፡፡

3 ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ቱርክ ሜኒስታን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ልዕሊ 30 በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ልዑል ኢኮኖሚያዊ ፀገማት እናተፃወራ ይርከባ፡፡

በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት  ብዘይ ኣገባብ ክዳነያ ኣይግባእን ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ እዘን ሃገራት ንልዑል ትራንስፖርት ወፃኢ እናተቓልዓን ኣብ ስርዓት ንግዲ ዓለም ብግቡእ ከይሳተፋን ዝግበሩ ዛዕባታት ንኽለዓሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዘን ሃገራት ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ዓለም 7 ሚኢታዊ ዝኸውን ከምዝሕዛ ብምሕባር፥ ብሰንኪ እዚ  እገዳ ኣብ ምንቅስቓስ ንግዲ ዓለም ተሳትፎአን ካብ 1 ሚኢታዊ ዝበለፀ ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ መደረኦም እዚ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ንግዲ ዓለም ምስ ወድዓዊ ሓቂ  ዝተኣሳሰረት ዓለም ዘይዛመድ፣ ሕማም ዝሓለፈ ዘበን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢዩ ክብሉ ኮኒኖም፡፡

ዋና ዕላማ እቲ ጉባኤ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ስርዓት ንግዲ ከንብርን በሪ ባሕሪ ኣብ ዘይብለን ሃገራት ናይ ምልማዕ ዕድላት ዘሎ ገደብ ምልዓልን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ብሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣለሙ ስሜ (/) ዝተመርሐ ልኡኽ  ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈት ትርከብ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም