ትካላት ሃይማኖት ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም-ሚኒስቴር ሰላም



 

ሃረር/ሓምለ/ 29/2017(ኢዜኣ) ትካላት ሃይማኖት ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ።

መበል 4 ሃገራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ከተማ ሃረር ስታዴም ኢመም ኣህመድ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ(/) ኣብቲ ኮንፈረንስ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም።

እቶም ትካላት ሃይማኖት ኣብቲ ዓውዲ ዘበርክትዎ ዘለዉ እጃም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም እታ ሃገር ናይ ኩሉ እጃም ክጠናኸር ኣለዎ ኢሎም።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኒት ኢትዮጵያ እውን ሰላም ንምዕሳልን ንምፅናዕን ዝጀመሮ ጉባኤ ሰላም ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ሮዛ ኡመር ብግደአን፤ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ኣቦታት ሃይማኖት ንሰዓብቶም ሰላም ክሰብኩ ይግባእ ኢለን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ብምዝርራብን ብምዝታይን ብምፍታሕ ሰላም ንምፅናዕ ካብ ሕድ ሕድና ትፅቢት ይግበር ክብላ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፤ እቲ ጉባኤ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ዘተ ብምድላው ፀገማት ንክፍትሑ ገይሩ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን ርክብ ሕድ ሕድ ዘጠናኽሩ ምክብባር፣ሰላም፣ሓድነትን ይቕሬታን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ኣረዲኦም።

ሰላም ኣብ ምርግጋፅ እውን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል እጃሙ ከጠናኽር ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ሰላም ሃገርና ንክፀንዕ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፃውዒት የቕርብ ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሃረር ስታዴም ኢማም ኣህመድ ዝሳለጥ ዘሎ ክክንፈረንስ፤ ሓለፍቲ ትካላት ሃይማኖትን ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኩሎም ክልላትን ምምሕዳት ከተማን፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓዲ፣ኣባ ገዳታትን ነበርትን እቲ ክልል ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም