ኢዜኣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ናይ ምፅናዕን ተረኽ ኣፍሪካውያን ናይ ምህናፅን ስርሑ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 29/2017(ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ናይ ምፅናዕ፣ተረኽ ኣፍሪካውያን ናይ ምህናፅን ምንፅብራቕን ስርሑ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፤ ዋና ቤት ዕዮ፣ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ፣ሕድሳት ነባር ህንፃ ኢዜኣ ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ትካል ተዓዚቦም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢዜኣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ናይ ምፅናዕን ተረኽ ኣፍሪካውያን ናይ ምህናፅን ስርሑ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ።

ኢዜኣ ኣጀንዳ ኣብ ምቕራፅን ተረኽ ሚድያ ኣብ ምህናፅን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።

ኢዜኣ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ቁልፍን ትካል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንኣህጉርና ድማ መብሰሪ ድምፂ ናይ ምዕባይ ሓይላ፣ ዓወታን ሓድነታን ከምዝኸውን ፀሪሖም።

ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ኢዜኣ ዘሳለጦም ስራሕቲ ሰፋሕቲ እዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ነገራት መበገሲ ኣፍሪካ ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብታ ኣህጉር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እጃማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ኣረዲኦም።

ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ኣብ ሚድያን ካልኦት ዓውድታትን ለውጢ ከምዘምፀአ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ዝጀመሮም ስራሕቲ ለውጢ ብምቕፃል ሰናይ ምስሊ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ኢሉ እውን ንኣፍሪካውያን ክሸጥ ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ኢዜኣ ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምብፃሕ ኣድማሱ ክሳብ ወረዳ ምዝርግሑ ብምንኣድ፤ መንግስቲ እውን ዝገብሮ ደገፍ ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

ዝተሰሓሓቱን ዝተዛብዑን ተረኻት ንምስትኽኻል ከም ኢዜኣ ዝበሉ ትካላት ሚድያ ኣጀንዳ ምፍጣርን ቀዲምካ ብምርዳእ ምስራሕን ከምዘድልዮም እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም