ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ድምፂ ኣፍሪካ ንምዃን ዝጀመሮም ምንቅስቓሳት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 29/2017(ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ድምፂ ኣፍሪካ ንምዃን ዝጀመሮም ምንቅስቓሳት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፤ ንዝሓለፉ ልዕሊ 82 ዓመታት ቅዋም ኢትዮጵያ  ብዘይናወፅ መልክዑ ንዓለም ዘፋለጠ ኢዜኣ ምጉብናዮም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ሓቢሮም።

ኢዜኣ ሎሚ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝተሸጋገረ ብምግላፅ፤ ታሪኻዊ ኣሰሩ ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ እናማዕበለ ንስራሕ ምችው ዝኾነ ከባቢ፣ዘበናዊ ሚድያ ኮምፕሌክስ፣ዘበናዊ ስቱዲዮታት ብምህናፅ ምልክት መፃኢ ዘበን ኮይኑ ንምግልጋል ብብዝሃ ቋንቋታት ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣፍሪካ ንዓለም ንምልላይ ዝሓዞ ሽቶ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ሃገራዊ ረብሓታ እናሓለወ፣ሃፍትታት ቱሪዝምን ባህልን እናላለየ፣ሰናይ ምስሊ ንዓለም እናርኣየ ንምቕፃል ብሓይሊ ሰብን ብሚድያ ቴኖሎጅን እናተጠናኸረ ምዃኑ ዝተባባዕ ጅማሮ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ብፍላይ ድማ ብቋንቋታ ወፃኢ (Pulse of Africa) ድምፂ ኣፍሪካ ንምዃን ዝጀመሮም ምንቅስቓሳት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካ ባዕልና ተሊምና፣ባዕልና ሰሪሕና፣ባዕልና ፅሒፍና፣ባዕልና ንዓለም እንገልፆን እነርእዮን ክኸውን ኣለዎ እውን ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ትካል ዝጀመሮም ሃገራውን ኣህጉራውን ሽቶታት ለውጢ ንምዕዋት ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢዜኣ ንዝጀመሮ ስራሕ ለውጢ ብትግሃት ንዝሰርሑን ንዘተሓባበሩን ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም