ኢትዮጵያ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ስትራቴጂካዊ ውፅኢታውነት ዝገብሮ ምትሕብባር ክጠናኸር እዩ-ውድብ ጥዕና ዓለም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ስትራቴጂካዊ ውፅኢታውነት ዝገብሮ ምትሕብባር ክጠናኸር እዩ-ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ስትራቴጂካዊ ውፅኢታውነት ዝገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ተወካሊ እቲ ትካ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኦውን ካሉዋ አሱመስ(Owen Kaluwa Assumes) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ስርዓት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ንኢዶም።
ዓውዲ ጥዕና ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፅሬት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና፣ድሕንነት ተሓከምትን ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕናን ንምርግጋፅ ተግብራዊ ትገብሮም ዘላ መርሃ ግብርታት ኣብራህሪሆም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2030 ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ኩለመዳያዊ ተበፃሕነት ጥዕና ጋህዲ ንምግባር ቴክኖሎጅን ፈጠራ ስራሕን ትኹረት ካብ ዝተገበረሎም ዘፈራት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ቴክኖሎጅን ፈጠራን ተግባራዊ ብምግባር ኩለመዳያዊ ተበፃሕነት ጥዕና ንምርግጋፅ ካብ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ትካል ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ትካል ጥዕና ዓለም ኢትዮጵያ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅ ትሰርሖም ዘላ ስትራቴጂታት እናደገፈ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ተግባራዊ ዝግበሩ ውፅኢታት ኢኖቬሽን ንምስፍሕፋሕን ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ተግባራዊ ዝግበሩ ስትራቴጂታትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።