ሃገራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ኣብ ከተማ ሃረር ምክያድ ጀሚሩ

ሃረር/ሓምለ 28/2017 (ኢዜኣ) ''ሃይማኖታት ንሰላም፣ንሓድነትን ሕብረትን'' ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 4ይ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃረር ምክያድ ጀሚሩ። 
እቲ ኮንፈረንስ፤ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ሃረሪ ብምትሕብባር ዘዳለዎ እዩ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ሮዛ ኡመር፣ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፣ተወከልቲ ኣቦታት ላዕለዎት ሓላዊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ተረኺቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ክልል ሃረሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዘሳልጡን ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ከምዝገበሩን ትፅቢት ይግበር።



 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም