ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2017 ዓ.ም ዘሳለጥዎም ቝልፊ ተግበራት - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2017 ዓ.ም ዘሳለጥዎም ቝልፊ ተግበራት

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2017 ዓ.ም ቑልፊ ዝኾኑ ትግበራ ብሔራዊ ፖሊሲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ዞባውን ዓለማቀፋዊ ስትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲን ብዘሳልጥ መልክዑ ተኸታተልቲ ተግባራት ኣሳሊጦም።
በዚይ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዘሳልጥዎም ተግባራት ፤ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2017 ኣመልኪቶም ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት ሰፊሕ መብርሂን ምላሽን ዝሃብሉ ይፅራሕ ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ መንጎ ዘሳለጥዎም ተግባራት ኣፈፃፅማ ትልሚ 2017 ዓ.ም ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሎም ሕቶታት ሰፊም ምምላሽም መብርሂን ምሃቦም ሓቢሩ።
ብብርኪ ዓለም ድማ ኣብ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብምስታፍ ምስ መራሕቲ ዓለም አብ ዝገበርዎ ዝለዓለ ሰትራቴጂካዊ ዘተ ሽም ኢትዮጵያ ክብ ንክብል ገይሮም ኢዮም ኢሉ።
ኢትዮጵያ ምስ ጣሊያን ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታት፥ ሃገራዊ ልምዓት ንምስላጥን ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለዋ ግደ ብልዑል ኩነታት ንምጉልባትን ዝዓለመ ኣመራርሓ ይወሃብ ምህላዉዘረጋገፀ ተሳትፎ ከምዝነበሮም
ገሊፁ።
ብተወሳኺ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተቐቢሎም ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ጣሊያን ጂኦርጂያ ሜሎኒን ሓዊሱ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን፣ ፕሬዝዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድን ፕሬዝዳንት ሕብረት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒን ኣብ ክልቲኣዊ፣ ቀጣናዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምስላጦም ኣገንዚቡ።
ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ ጉባኤ፥ ምክትል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ቤት ዕዮኦም ብምቕባል ምዝታዮም ሓቢሩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ መሰረተ ልምዓት ገፀርን ስነ ምግብን ዝግበሩ ኢንቨስትመንታት ንምጉልባት ተገማቲ ናይ ዝኾነ ኮንሴሽናል ፋይናንሺንግ ኣድላይነት ኣፅንኦት ምሃቦም ኣብሪሁ።
ብድምሩ ኣብ ክልቲኦም ኣዋርሕ ልዑል ዝኾነ ግምገማታት ፖሊሲ ሃገር ንክግበሩ፣ ርኡይ ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ንክካየድን ኣብ መድረኽ ዓለም ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ተሳትፎ ንክፍጠርን ብሱል ኣመራርሓ ምሃቦም እቲ ቤት ዕዮ ገሊፁ።
ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ኣድላይነት ንምጉላህ ዝዓለሙን ዕዉታት ተግባራት ክምዝነበሩ ኣፍሊጡ።
ብሓፈሻ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2017 ዓ.ም ኸቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ልዑል ዝኾነ ገምጋማት ሃገራዊ ፖሊሲ ምክያዶም ፣ርኡያት ዝኾኑ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ምስላጦም ን ኣብ መድረኸ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ጥንኩራት ተሳትፎ ዲፕሎማሲ ንክፍጠር ብሱል ኣመራርሓ ዝሃብሉ እዩ። ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ን ብብርኪ ዓለም ለኸ ዘለዉ ስትራቴጂካዊ ኣድላይነት ንምጉላህ ዝተዓለሙ ዕውታት ተግባራት ነይሮም።