ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ


መቐለ/ሓምለ /25/2017(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ንምጅማርን ምችው ኩነታት ንምፍጣርን ዘኽእል ዘተ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣሳሊጥና ክብሉ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ተዛሪቦም።


ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብ ክልል ትግራ ዝተጀመረ ከይዲ ምኽክር ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ንኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ምኽክር ከምዘድልያን እዚ ድማ ብነፃነትን ኣሳታፊ ብዝኾነን እናቀፀልናሉ ኢና ክብሉን ገሊፆም።


ብዘይካ ክልል ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣሳታፍን ሓቛፍን ዝኾነ ስራሕ ምትእኽኻብን ምፍላይን ኣጀንዳ ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ከምዝተሳለጠ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ከልል ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ መልክዑ ንምክያድ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣረጋጊፆም።


ስለዝኾነ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምኽክር ንምጅማርን ምችው ኩነታት ንምፍጣርን ዘኽእል ዘተ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ካልኦት ኣካላትን ከምዘሳለጡ ኣረዲኦም።
ሃናፂ እዋን ዘተ ከምዝነበሮም ብምሕባር፤ ንዕዉትነቱ ደገፍን ምትሕብባርናን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።


ኣብዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝሳለጥ ከይዲ ምኽክር ኩሎም ኣካላት ንክሳተፉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።


ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት እታ ሃገር ብምኽክር ብምፍታሕ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምሕላውን ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅን ዘኽእል ዝተረኸበ ታሪኻዊ ዕድል እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም