እቲ ሆስፒታል ቐድሚ ለውጢ ንዝነበሮ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብመሰረታውነት ዝቐየረ ስርሓትታት ክውን ገይሩ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ






 

አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 25/2017(ኢዜአ) ኮምፕሬሄንሲቭ ሆስፒታል ዩኒቬርሰቲ ጅግጅጋ ሼክ ሀሰን የበሬ ቐድሚ ለውጢ ንዝነበሮ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብመሰረታውነት ዝቐየረ ስርሓትታት ክውንገይሩ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም

ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩ ነህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኸቲ ንስርሓቲ ኮምፕሬሄንሲቭ ሆስፒታል ዩኒቬርሰቲ ጅግጅጋ ሼክ ሀሰን የበሬ ተመልኪትና ኢሎም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ሆስፒታል ኮምፕሬሄንሲቭ ሼኽ ሓሰን የበሬ ስራሕቲ ለውጢ ዑደት ገይሮም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤እቲ ሆስፒታል ቅድሚ እቲ ለውጢ ተሓከምቲ ምንግልተዕ ከምዝነበረን ሕዚ እቲ ኣውሃህባ ግልጋሎት ብመሰረታዊነት ዝቀየረ ስራሕቲታት  ጋህዲ ገይሩ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ንተሓከምቲ ዝውሃብ ግልጋሎት ዝዘመኑ መሰረተ ልምዓት ጥዕና ብምምላእ ሰፋሕቲ ግልጋሎት እናሃበ ከምዝርከብ ምዕዛቦም ድሕሪ ምግላፆም ሓምለዋይ ቐፅርን ምችው ፅርየትን ዘለዎ ከባቢ ምፍጣሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓቢሮም፡፡

እቲ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ሕክምናን ዘመናዊ ናውቲ ሕክምናን ብምምላእ ንማሕበረሰብ ተጠቃሚ ፅርየት ዘለዎን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ሰፊሕ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣገልግሎትን ንምሃብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ምክያዶም ፀሪሖም፡፡

ብተዛማዲ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኩለመዳይ ከምኡ እውን ዘመኑ ዝጠልቦ ህንፀት እናካየዱ ዝርከቡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማሌን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ምዕዛቦም ገሊፆም፡፡

እተን ትካላት ብዓቕሚ ሰብ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምሕዳስ ኣብያተ ፅሕፈት ዝንኣድ ለውጢ ይገብራ ከምዘለዋ እውን ታዓዚብና ኢና ኢሎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም