መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰረት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰረት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ
ሰመራ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰረት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ገሊፆም።
“ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ይሳለጥ ኣሎ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ እውን ኣብ ወረዳ ዱብቲ ጣብያ ኣይሮላፍ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ሰረት ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ከምኡ እውን ፃዕሪ ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እዩ።
ስለዝኾነ እውን ብምትካል ኩላትና ኣሰርና ብምንባር ብልፅግናን ምንስርራእን ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብሮ ኣለና ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተተኸሉ ፈልስታት ዝተፈላለዩ ረብሓታት እናረጋገፁ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ናይዚ ዓመት እውን ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ እውን ኣብዚ ስፍራ ተረኺቦም ኣሰሮም ዘንበሩ እንትኸውን፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም ኢሎም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ስራሕ ሓለዋ ተፈጥሮ እናተጠናኸረ፣ሰረት ውሕስና ምግቢ እናኾነ ከምዝመፀ እውን ገሊፆም።
ኣብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ዱብቲ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን እቲ ክልልን፣ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌዴራልን ኣሰሮም ኣንቢሮም።