መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓበይቲ ትልምታት ተሊማ ህዝባ ኣተሓባቢራ ምዕዋት ክምትኽእል ንዓለም እተርእየሉ ዓብይ ዓወት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓበይቲ ትልምታት ተሊማ ህዝባ ኣተሓባቢራ ምዕዋት ክምትኽእል ንዓለም እተርእየሉ ዓብይ ዓወት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓበይቲ ትልምታት ተሊማ ህዝባ ኣተሓባቢራ ምዕዋት ክምትኽእል ንዓለም እተርእየሉ ዓብይ ዓወት እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ጅማ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓበይቲ ትልምታት ተሊማ ህዝባ ኣተሓባቢራ ምዕዋት ክምትኽእል ንዓለም እተርእየሉ ዓብይ ዓወት እዩ።
ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከባቢ 8 ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ልዕሊ ትልሚ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኩሉ ዜጋ ንክሳተፍ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።