ህዝቢ እቲ ክልል ፈልሲ ኣብ ምትካል ዘርኣዮ ተሳትፎ ኣብ ምክንኻን እውን ክደግሞ ኣለዎ-ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ እቲ ህዝቢ ፈልሲ ኣብ ምትካል ዘርኣዮ ተበግሶ ኣብ ምክንኻን እውን ክደግሞ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ ኣገንዚቦም።
መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እዚ ዓመት ሎሚ መዓልቲ እናተሳለጠ እንትኸውን ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ እውን ኣብ ጅማ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብተኸታታሊ ብብርኪ ሃገርን ክልልን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዕዉታት ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።
ኣብቲ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተጀመረ ኢንሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ህዝቢ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ተኺሉ እዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብቲ ክልል ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተሳተፈሉ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ካብ ምድላው ፈልሲ ክሳብ ኳዕቲ ጉድጓድ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሓቢሮም።
ህዝቢ እቲ ክልል ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ዘርኣዮ ተሳትፎ ኣብ ክንክን ፈልሲ እውን ብምድጋም እቲ ፈልሲ ንውፅኢት ንክበቅዕ ዝገብሮ ፃዕሪ ከጠናኽሮ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን በቢ ክልተ ሰሙን ማይ ብምስታይ፣ብምኹስኳስን ካብ ንኽክእ ነፃ ብምግባርን ንውፅኢት ምብቃዕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም