እታ ከተማ ፅርይትን ሓምለወይትን ናይ ምግባር ስራሕ ውፅኢታዊ እናኾነ መፂኡ እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፅርይትን ሓምለወይትን ናይ ምግባር ስራሕ ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ከባቢ ልምዓት ወሰን ሩባ ግንፍሌ ኣጀሚረን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እታ ከተማ ፅርይትን ሓምለወይትን ናይ ምግባር ስራሕ ምስቲ ልምዓት ኮሪደር ብምውዳድ ውፅኢታዊ ኮይኑ እዩ።
እታ ከተማ ኣብዚ ዓመት ካብ ፅባቐ ብተወሳኺ ንምግቢ ዝውዕሉ ፈልስታት እናተኸለት እያ ኢለን።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ፤ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤን ኣባላት ካቢኔን፣ኣቦተት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓዲ፣መማህራንን ተምሃሮን፣ኣትሌታትን ኣርቲስትታትን፣ኣካላት ፀጥታ ሓዊሱ ነበርቲ እታ ከተማ ይሳተፉ ኣለዉ።
“ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ሃገር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ እናተተኸለ እዩ ዝርከብ።





 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም