ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣጀሚሮም ኣለዉ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣጀሚሮም ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/24/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ጅማ ሓምለዋይ ኣሰሮም ብምንባር ኢዮም ነቲ መርሃ ግብሪ ኣጀሚሮም።
ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል ኣብ ዓለም ልዑል ውፅኢት ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር) ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣስታት 8 ቢሊየን ፈልሲታት ዝትከሉ አንትኾኑ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ናይ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ቁፅሮም 48 ቢሊየን ምብፃሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ምትካል መርሃ ግብሪ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ይካየድ ኣሎ።