ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/ 2017 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣጀሚረንኦ።
እቲ ተኸላ ፈልሲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተብ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሰን ሩባ ግንፍሌ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።
ኣብታ ከተማ ሎሚ መዓልቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፈልሲ ከምዝትከል እውን ትፅቢት ይግበር።
ሎሚ መዓልቲ “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከም ሃገር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ ክትከል እዩ።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም