ሎሚ ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ሎሚ ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ንመርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ናይ ምኽኣል ዓቕምና ደጋጊምና እነርእየሉ ፍሉይ መዓልቲ እዩ ኢሎም።
24 ሓምለ 2017 ዓ/ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ባዕልና ክብረ ወሰን ብባዕልና እነመሓይሸሉ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ልዕሊ 40 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ንሓለዋ ከባቢ ዓለም እጃምና ተዋፂእና ኢና ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ዘቕረብዎ ፃውዒት ኢትዮጵያውያን ተቐቢሎም ተዳሊዎም እዮም ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ እውን ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅም ሓዱሽ ታሪኽ እነመዝግበሉ መዓልቲ ስለዝኾነ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ዓመት ብምትካል ምንስርራእ ብዝብል መሪሕ ቃል 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ደኒ፣ቀለብ፣ኣትክልትን ፍራ ምረን ንምትካል ስራሕ ጀሚርና ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ህፃን ክሳብ ዓብዪ፣ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክሳብ ሰብ ሞያ፣ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኩሎም ዜጋታት ከምዝሳተፉ ኣረዲኦም።
ፈልሲ እንተክል ምሽርሻር መሬት ንምክልኻል፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ንምልባስን እዩ ኢሎም።