ኣብ ሓንቲ ፃሓይ መርሃ ግብሪ ምትካል 700 ሚሊዮን ፈልስታት ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሓንቲ ፃሓይ መርሃ ግብሪ ምትካል 700 ሚሊዮን ፈልስታት ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 24/2017(ኢዜአ):- ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣካል ሓምለዋይ ኣሰር ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ፃሓይ መርሃ ግብሪ ምትካል 700 ሚሊዮን ፈልስታት ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።
ካብ ንጉሆ ሳዓት 12 ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገርና ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ኣብ ሓንቲ ፃሓይ 700 ሚሊዮን ፈልስታት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ምድላዎም ኣፃፊፎም ንምትካል ተዋፊሮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣጀሚሮም ኣለዉ
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ጅማ ሓምለዋይ ኣሰሮም ብምንባር ኢዮም ነቲ መርሃ ግብሪ ኣጀሚሮም።
ናይ ሎሚ ዘበን ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ካብ ንጎሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ምክያድ ይርከብ።