ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክዓቢ ኣኽኢሎም እዮም





 

ሰመራ/ሓምለ 23/2017(ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክዓቢ ከምዘኽኣሉ ኣብ ክልል ዓፋር ሓምለዋይ ኣሰሮም ዘንበሩ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ተፃዋዕቲ ትካላቱን ገሊፆም።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ተፃዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣሚበራ ጣብያ ኮማጊደሮ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክውስኽ ኣኽኢሎም እዮም።

ፈልስታት ዝተፈላለዩ ረብሓ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ብኽነት ማይ ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ብምኽንያት ውሕጅ ዝበፅሕ ጉድኣት ከምዘትረፉ እውን ኣብ ዑደቶም ከምዝተዓዘቡ ሓቢሮም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(/) ብግደኦም፤ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ግድባት ብሑፃ ከይመልኡ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ሓደጋታት ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን ምትራፍ ከምዘኽአለ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ዓቕምታት ማይ ክውስኽ ብምግባር ልምዓት ፍራ ምረን መስኖን ንክስፋሕፋሕ ገይሮም እዮም ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ምዝባዕ ፀባይ ኣየር ኣብ ምፅዋር ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጠሩ ፀሪሖም።

ኣብ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ይኹን ዝተተኸሉ ምክንኻን እቲ ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ስለዝተሳተፈ ንዕዉትነት እቲ ስራሕ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ታመነ ሃይሉ(/) ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ብምውሳኽ ማይ ከርሰ ምድርን ገፀ ምድርን ንክውስኽን በረኻነት ንምክልኻልን ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ ኢሎም።

እቶም ፈልስታት ምትካሎም እውን ንሓለዋ ከባቢ ዝተፈላለዩ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እዚ ስራሕ ምቕፃል ድማ ንቀፃሊ ወለዶ ምችው ከባቢ ንምውራስ ከምዘኽእል ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም