ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢ እዋናውን ትኽክለኛን ሓበሬታታት ተበፃሒ ናይ ምግባር እጃሞም ከጠናኽሩ ይግባእ





 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2017(ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢ እዋናውን ትኽክለኛን ሓበሬታታት ተበፃሒ ናይ ምግባር እጃሞም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ቢቂላ ሁሪሳ(/) ገሊፆም።

መፃኢ እዋንን ምድላው ሚድያን ኮሙኒኬሽንንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢ ዘሳተፈ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ቢቂላ ሁሪሳ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ለውጢ ስዒቡ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ እቲ ህዝቢ ተረባሒ ዝገበሩ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።

ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ እውን እቲ ምህዳር ንክሰፍሕ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።

ኣብ ዲፕሎማሲ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘዕበዩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ተደማፅነት ኢትዮጵያ እናዓበየ ከምዝመፀ ፀሪሖም።

ኣብ ማሕበራዊ ዘፈር ኣብ ስራሕቲ ሰብ ተኮርን ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ብግልፂ ዝረኣዩ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እውን ብተመሳሳሊ ብምኽንያት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ተዛሪቦም።

እቶም ዝተረኸቡ ዓወታት ንህዝቢ ብኣግባቡ ተበፃሒ ምግባር ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ ኣብዚ መዳይ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢ እዋናውን ትኽክለኛን ሓበሬታታት ተበፃሒ ናይ ምግባር እጃሞም ከጠናኽሩ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ትካላት ርክብ ህዝቢ ብሓባርን ብዝተዋደደን መንገዲ ምስራሕ ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም