ፅባሕ ብሓባር ታሪኽ ንስራሕ! - ኢዜአ ትግርኛ
ፅባሕ ብሓባር ታሪኽ ንስራሕ!
ኣብዚ ሰሙን ኢትዮጵያ ሓምለዋይን ንፈተና ዘይቃላዕን ፅባሓ ንምህናፅ ንትገብሮ ፃዕሪ ዳግማይ ክትለዓል እያ።
ፅባሕ ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ኣካል ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰርና ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልስታት ናይ ምትካል ዕላማ ንምዕዋት ክንተክል ኢና። ዝለዓለ ሽቶ እዩ። ጥንካረና፣ሓድነትናን ንህዝብና ዘለና ቆራፅነትን የርኢ።
እዚ ፈልሲ ካብ ምትካል ንላዕሊ እዩ። ንእሽተይ፣ዓብዪ፣ገጠርን ከተማን ከይበልና ኩላትና ዜጋታት ከባቢና ንክሓዊ፣ፍልፍላት ማይና ንክሕለዉ፣ኩነታት መነባብሮና ንክመሓሽ ከምኡ እውን ንቀፃሊ ወለዶታት ዘላቕነት ዘለዎ ፅባሕ ንምርግጋፅ እንሳተፈሉ ስራሕ እዩ።
ኩልኹም ኣብዚ ዓብይ ስራሕ ንክትሳተፉን ንክተተሓባብሩን የተሓሳስብ። ብሓባር ጠንካራ ኣእዋም ጥራሕ ዘይኮነስ ጠንካራን ዝበለፀን ሓምለወይቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክነዕቢ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
"ኣብ መበል 7ይ ዓመት 700 ሚልዮን ፈልስታት ክንተክል ኢና"