ስርዓተ ምግቢ ንምጥንኻርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዞባዊ ምትሕብባር ምዕባይ ይግባእ-ኢጋድ - ኢዜአ ትግርኛ
ስርዓተ ምግቢ ንምጥንኻርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዞባዊ ምትሕብባር ምዕባይ ይግባእ-ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 22/2017(ኢዜኣ) ኣብቲ ዞባ ስርዓተ ምግቢ ንምጥንኻርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓባራዊ ዞባዊ ስጉምት ምውሳድን ምትሕብባር ምዕባይን ከምዝግባእ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ ልምዓት በይነ መንግስትታ ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዘለዉ ዞባዊ ዕድላት ዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝፀንሐ ጉባኤ ሚኒስትራት ሃገራት ኣባል ኢጋድ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ተዛዚሙ።
ስለዝኾነ እውን እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ዞባ ኢጋድ ሽግግር ስርዓት ምግቢ ብምስላጥ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅን ጥሜት ምውጋድን ዘኽእል ኣህጉራዊ ማዕቐፍ ጥምረት ከምዝፈጥራ ኣረጋጊፀን።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዞባ ኢጋድ ብዓቕሚ ግብርና፣ሃፍትታት ዘረ መልን ሓድነት ህዝብታትን ዝማዕበለ እዩ።
ኣብቲ ዞባ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝስማዕማዕ ዘበናዊ ግብርናን ዓሌታት ዝራእትን ናብ ሓቛፊ ሞዴላት ኢንቨስትመንት ምምፃእ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዞባ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ምህናፅ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ እዞም ወሰንቲ ስራሕቲ ኣብ እነሳልጠሉ ወቕቲ ኢና ንርከብ ኢሎም።
ኣብቲ ዞባ ፀገም ውሕስና ምግቢ ዘለዎም ከባብታት ምግምጋም ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝፍጠሩ ኩነታት ንምርዳእ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ጠንካራ ስርዓት ሓበሬታ ምዝርጋ ከምዝግባእን እዚ ድማ ንቐረፃ ፖሊሲ ርኡይ ኣስትዋፅኦ ከምዘለዎን ኣረዲኦም።
ኣብቲ ዞባ ስርዓተ ምግቢ ንምጥንኻርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ሓባራዊ ዞባዊ ስጉምትን ምትሕብባርን ምዕባይ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ዞባ ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ብምፍላይ ምስራሕ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ኢጋድ እቶም ስራሕቲ ንክሳለጡን ንክቀላጠፉን እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።