ብብርኪ ዓለም ፍርያት ምግቢ ንምዕባይ ሃገራት ዝገብርኦ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከጠናኽራ ኣለወን-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ

 



ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /22/2017(ኢዜኣ) ብብርኪ ዓለም ፍርያት ምግቢ ንምዕባይን ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕን  ሃገራት ዝገብርኦ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከጠናኽራ ከምዝግባእ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ገሊፆም።


ጎና ጎኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዘሎ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ውሕመ ኩነታት ውሕስና ምግብን ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግብን ዓለም 2025(ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ) ዝምልከት ፀብፃብ ትማሊ ዕላዊ ኮይኑ።


እቲ ፀብፃብ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዝተፈላለዩ ጎንፅታትን ኣብ ልዕሊ ቀረብን ዋጋን ምግቢ ዓለም ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረ ሓቢሩ።


ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ እቲ ፀብፃብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ዓለም እናወሰኸ ዝመፀ ሕፅረትን ናህሪ ዋጋን ምግቢ ሓባራዊ መፍትሒ ሃገራት የድልዮ ኢሎም።


እቲ ፀገም ብፍላይ ድማ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ብዝበለፀ ከምዝጎድእ ብምሕባር፤ ብብርኪ ቤተሰብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ፈታኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።


ኢትዮያ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ዝተፈላለዩ ስጉምትታት እናወሰደት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ብብርኪ ቤተሰብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ውፅኢታዊ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።


ኣብ ዓለም ዘተኣማምን ቀረብ ምግቢ ንምርግጋፅ፣ መፍረያይነት ንምዕባይን ሰላም ንምፅናዕን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም