ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣረጋጊፀን



ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 22/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዉ ኣማራፅታ ብምጥቃም ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።


ጎና ጎኒ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ውሕመ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬት ኣምና ኣልደሃክ (ዶ/ር) ዘትዮም።


እቶም ሚኒስትራት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራን ስትራቴጂካውን ርክብ ኣመልኪቶም ዘትዮም።


ሚኒስትር ግብርና ኢትዮጵያ ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለዋ ዓቕምን ተሳልጦ ዘላ ተግባርን ኣብራህሪሆም።


ኢትዮጵያ ቡንን ውፅኢታት እንሰሳትን ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ከምትልእኽ ብምሕባር፤ እዚ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያ ዘትዮም።


ኢትዮጵያ ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ብርክት ዝበሉ ኣማራፅታት ከምዘለውዋ ብምግላፅ፤ ሰብ ሃፍቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ መቀነባበሪ ግብርና፣ መዳበርያን ካልኦት ዘፈራትን ምውፋር ዝኽእልሎም ኣማራፅታት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።


ሚኒስትር ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ኣምና ኣልደሃክ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝደልዩ ፀሪሖም።


ሰብ ሃፍቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።


እቶም ሚኒስትራት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውድታ ግብርና፣ንግድን ኢንቨትመንትን ዘለዉ ኣማራፅታ ንምጥቃም ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም