ስምምዕ ምትሕብባር ግብርና ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ዕቤት መፍረያይነት ዓብይ ኣስትዋፅኦ ክህልዎ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስምምዕ ምትሕብባር ግብርና ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ዕቤት መፍረያይነት ዓብይ ኣስትዋፅኦ ክህልዎ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 22/2017(ኢዜኣ) ስምምዕ ምትሕብባር ግብርና ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ዕቤት መፍረያይነት ዓብይ ኣስትዋፅኦ ከምዝህልዎ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእለን መረዳድኢ ስምምዕ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈራሪመን።
እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ግብርናን ልኣላዊነት ምግብን ጣሊያን ፍራንሲስኮ ሎሎ ብሪጅዳን እዮም ፈሪመምዎ።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ስምምዕ ሰንሰለት እሴት ቡና ኣብ ምስላጥ፣መፍረያይነት ግብርና ኣብ ምዕባይ፣ሓረስቶት ኣፍረይቲ ቡን ኣብ ምድጋፍን ኣብ ሽግግር ቴክኖሎጂ ግብርናን ጠመተ ዝገበረ እዩ።
ጣሊያን ዘበናዊ ግብርና ተግባራዊ ኣብ ምግባር ልዑል ተሞኩሮ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እቲ ስምምዕ ስራሕቲ ስልጠናን ህንፀት ዓቕምን እውን ዝሓዘ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ጣሊያን ብመሰረት ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ግብርና ብምትሕብባር ንምስራሕ ዕላዊ ዝገበረቶ ትልሚ ኢትዮጵያ ተረባሒት ዝገብራ መረዳድኢ ስምምዕ ብቀዳምነት ከምዝተፈራረመት ሓቢሮም።
ሚኒስትር ግብርናን ልኣላዊነት ምግብን ጣሊያን ፍራንሲስኮ ሎሎ ብሪጅዳ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያን ጣሊያንን 2ይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ውሕመ ብምትሕብባር ከምዘዳለዋ ገሊፆም።
እቲ ስምምዕ፤ ንዕቤት ፍረያይነት ግብርና ክልቲአን ሃገራት ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።