ኣብ በጀት ዓመት 2017 ልዕሊ 108 ቢልዮን ብር ኣታዊ ተረኺቡ-ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 21/2017(ኢዜኣ) ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ልዕሊ 108 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ በሪሶ ኣመሎ(/) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብቲ ትካል ዝተሳለጡ ዋና ዋና ስራሕቲ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም እውን መጠን ኣታዊ ምዕባይ፣ዓቕሚ ፅዕነት መርከባትን ተሽከርከርቲ ፅዕነትን ምውሳኽ፣ ቅልጡፍን ተበፃሕን ዝኾነ ኣገልግሎት ምሃብን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ኣሰራርሓታት ምጥንኻርን ኣብቲ በጀት ዓመት ብትኹረት ዝተሳለጡ ስራሕቲ እዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን ኣብቲ በጀር ዓመት 101 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ብምትላም ልዕሊ 108 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ብኣንፃር እቲ ትልሚ እንትረአ ልዕሊ 100% ኣፈፃፅማ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ እውን ፀሪሖም።

እዚ ልዑል ውፅኢት ንክምዝገብ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓብይ ኣስትዋፅኦ ከምዘበርከተ ሓቢሮም።

ብብርኪ ዓለም ዘጋጠሙ ዘይምርግጋዓት ኣብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪ ዝፈጠርዎ ፅልዋ ብምፅዋር ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሳለጠ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም