ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንትካለት ጥዕና ብቴክኖሎጂ ናይ ምድርጃው ስራሕ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ -ከንቲባ አዳነች አቤቤ

 




 

አዲስ አበባ/ ሓምለ /19/2017(ኢዜአ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንትካለት ጥዕና ብቴክኖሎጂ ናይ ምድርጃው ስራሕ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ  ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝሃነፆም ትካላት ጥዕና ሎሚ ኣመሪቑ ኣሎ።

ኮይኑ እውን ምምሕዳር ከተማ የአዲስ አበባ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ኣብ ቦሌ ልደታን ኣዲስ ከተማን ዝታሃንፁ ትካላት ጥዕና መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን ።

ኣብተን ጥዕና ጣቢያታት ዝውሃብ ግልጋሎት ክብ ንኽብል ልዕሊ 4 ቢልየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ዘበናዊ  መሳርሒ ሕክምናን ዝሰልጠኑ ሰብ ሙያታት ሓዊሱ ክዋፈሩ ተገይሩ ኢለን፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንትካለት ጥዕና ብቴክኖሎጂ ናይ ምድርጃው ስራሕ ብትኹረት ይቐፅል ከምዘሎ ዝሓበራ ከንቲባ ፅሬቱ ዝሓለወን ጥዕንኡ ዝሓለወ ዜጋ ኮይኑ ንከፍሪ ዓብይ አበርክቶ ከምዝህልዎ ኣመልኪተን፡፡

እቶም ፕሮጀክትታት ብፅሬትን ቅልጣፈን ሙሉእ ብሙሉእ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ክበቕዑ ንዝገበሩ ኩሎም ኣካላት በቲ ኣጋጣሚ ኣመስጊነን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም