እቶም ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ንኩሎም ዜጋታት ተረባሕቲ እናገበሩ እዮም-ሚኒስትር ሙፈሪያት ካሚል - ኢዜአ ትግርኛ
እቶም ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ንኩሎም ዜጋታት ተረባሕቲ እናገበሩ እዮም-ሚኒስትር ሙፈሪያት ካሚል

ባቢሌ/ሓምለ/ 18/2017(ኢዜኣ) ኣብ ኩሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብፍትሓዊነት ተረባሕቲ እናገበረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ከምኡ እውን ተፀዋዕቲ ትካላቱ ብመርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ባቢሌ ብ25 ሚልዮን ብር ወፃኢ ንዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ዘህነፅዎም 10 መንበሪ ኣባይትን 8 ተወሰኽቲ ክፍልታት መምሃርን ኣረኪቦም።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን በቢዓመቱ ብመርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር ንዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት መንበሪ ሰሪሖም ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ደገፍ ናውቲ ትምህርቲ እውን ይገብሩ እዮም።
እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ባቢሌ ህንፀት 10 መንበሪ ኣባይትን ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ቁፅሪ ሓደ ባቢሌን ከምዘጀመሩ ብምዝኽኻር፤እቲ ህንፀት መንበሪ ኣባይትን ክፍልታት መምሃርን ብምዝዛም ነቶም ተጠቀምቲ ርኽክብ ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።
ኣብ ኩሎም ከባብታት እታ ሃገር ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ንኩሎም ዜጋታት ብፍታሓዊነት ተጠቀምቲ እናገበሩ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲአን።
ብፍላይ ድማ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ለውጢ ዘሳለጦም ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት እታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕቤት እናወሰደ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ እዞም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪበን።
እተን ሚኒስትር፤ ኣብቲ ስራሕ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንዝተሳተፉ ኣካላት ኩሎም ምስጋና ኣቕሪበን።እቶም መንበሪ ዝተሃነፀሎም ነበርቲ ብግደኦም፤
ብሓዱሽ መልክዕ ተሃኒፁ ዝተረከብዎ መንበሪ ዝሓሸ ሂወት ንምምራሕ ከምዘኽእሎም ሓቢሮም።
ነቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን እውን ኣመስጊኖም።