ኣብ እዋን ክረምቲ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሕማማት ምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላው ተገይሩ እዩ- ሚኒስቴር ጥዕና - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ እዋን ክረምቲ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሕማማት ምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላው ተገይሩ እዩ- ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 17/2017(ኢዜኣ) ኣብ እዋን ክረምቲ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሕማማት ምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ክረምቲ ምእታዉ ስዒቡ ኣብ ዝህሉ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝተፈላለዩ ሕማማት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም።
እቲ እዋን ምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ዝውስኸሉ፣ ሕማማት ማይ ወለድ፣መተንፈሲ ኣካላትን ተዛመድቲ ሕማማትን ዝፍጠርሉ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሕማማት ምቁፅፃር ዘኽእል ክትትልን ምርመራን ከምዝግበር ብምሕባር፤ ብተወሳኺ እውን ንሕማም ዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረትሰብ ሕክምና ንክረኽቡ ኣድላይ ምድላው ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።
ብርክት ዝበሉ ሕማማት ብጉድለት ፅሬት ውልቀን ከባብን ዝመፁ ምዃኖም ብምግላፅ፤ እዚ ምክልኻል ዝከኣል ፅሬት ውልቀን ከባብን ብምሕላው ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ነዚ ድማ ንቑሕ ተሳትፎ እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሕማም ዓሶ ኣብ ዘለዎም ከባብታት ዝርገሐ ኣጎበርን ምንፋሕ ኬሚካልን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ኣብ ኣጠቓቕማ ኣጎበር ዝረኣዩ ፀገማት ንምስትኽኻል እውን ደገፍ ሰብ ሞያ ኣድላይ እዩ ኢሎም።
እቲ ማሕበረሰብ ጎና ጎኒ ፅሬት ውልቀን ከባብን ምሕላው ብሚኒስቴር ጥዕና ዝመሓላለፉ መልእኽትታት ጥንቃቐ ተግባራዊ ብምግባር ተመሓላለፍቲ ዝኾኑ ሕማማት ብሓባር ክከላኸል ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም።