ኣብ ክልል ዓፋር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ረብሓ ሕብረተሰብ ክዓቢ ገይሩ እዩ -ርእሰ ምምሕዳር አወል ኣርባ




 

ሠመራ/ሓምለ/ 17/2017(ኢዜአ) ኣብ ክልል ዓፋር ክሳለጥ ዝፀንሓ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ረብሓ ሕብረተሰብ ክዓቢ ገይሩ እዩ  ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር አወል ኣርባ ገሊፆም ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ዓፋር ኣብ ወረዳ ዱብቲ ጣብያ ጉሩሙዳሌ  ሎሚ ፈልስታት ብምተካል ሓምለዋይ ኣሰር አንቢሮም ።

ኣብ ምትካል ፈልሲ ዝተሳተፉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር አወል አርባ ኣብ እቲ እዋን ከምተዛረብዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ረብሓ ሕብረተሰብ ክዓቢ ገይሩ እዩ ኢሎም።

ብፍላይ መናእሰይ ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ዝተውሃቦም መሬት ፍራምረታትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ኣልሚዖም ንፍርያት ብምብቃዕ ምህርትታት ናብ ዕዳጋ ምቐራብ ምጅማሮም ሓቢሮም

እቶም መናእሰይ ካብ ከባቢኦም ሓሊፎም ንጎረባብታ ከተማታት ብምቐራብ እውን ተጠቀምቲ ምኹኖም ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም