መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘበስር ሃገራዊ ዓወትን መርኣያ ጉዕዞ ልዕልናን እዩ




 

ጎንደር/ሓምለ/ 17/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘበስር ሃገራዊ ዓወትን መርኣያ ጉዕዞ ልዕልናን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ተፋሰስ ኣንገረብ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሚኒስትር መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበን ተሻጋርን ኣብ መንጎ ህዝብታት እውን ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሊ እናዕበየ ዝመፀን ዘኹርዕ ተግባር እዩ።

ከም ሃገር ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝትከሉ ሓቢሮም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘበስር ሃገራዊ ዓወትን መርኣያ ጉዕዞ ልዕልናን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሃገር ቦቆልን ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎን ፈልሲ እናተተኸለ ከምዝኾነ ዝገለፁ ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ቻላቸው ዳኘው፤ ኣብ ተፋሰስ ኣንገረብ ሎሚ ዝተሳለጠ ተኸላ ፈልሲ ነታ ከተማ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንዘቕርብ ግድብ ኣንገረብ ካብ ሑፃ ብምክልኻል ዝህቦ ኣገልግሎት ንምዕባይ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ፃንሒቶም ኣብታ ከተማ ሕድሳት መንበሪ ኣባይቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ዘጀምሩ እንትኸውን፤ ንዝተፀገሙ ተምሃሮ ደገፍ ናውቲ ትምህርቲ ከምዝገብሩ እውን ተፈሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም