ንሃገራዊ ሓምለዋይ ኣሰርና ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ንትጋህ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ንሃገራዊ ሓምለዋይ ኣሰርና ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ንትጋህ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 14/2017(ኢዜኣ) ንሃገራዊ ሓምለዋይ ኣሰርና ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ንትጋህ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ቀፅሪ ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ምስ ማሕበረሰብ ስፖርት ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል፣ዓበይትን መናእሰይን ስፖርተኛታትን ተሳቲፎም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ “ንምፃኢ ወለዶ ሓምለወይቲ ሃገር ንምርካብ ምስ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር መናእሰይ፣ዓበይቲ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ከተማ ባህር ዳርን ሓምለዋይ ኣሰርና ኣንቢርና” ኢሎም።
ሓምለዋይ ኣሰር ከም ሃገር ፍልፍል ፅባቐን ተወሳኺ ዓቕሚ ኢኮኖምን ንምግባር ብምትላምን ተግባራዊ ብምግባርን ውፅኢት ክርከበሉ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።ሓምለዋይ ኣሰር ብምትካል ኣብ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢና ዘለና እውን ኢሎም።
ኣብ ከተማ ባህር ዳር እውን ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ብዘንባባታትን ልምሉም ፀጋታትን ዝፀበቐት ከተማ ብዝበለፀ ፅብቕትን ምችውትን ዓለም ለኸ መባፅሒት ከምዝገብራ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር”ብምትካል ምንስርራእ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዕሊ ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ።