እቲ ኣዋጅ ሓሳብ ፈጠራ ዜጋታት ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምቕያር ዘኽእል እዩ-ሚኒስትር በለጠ ሞላ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኣዋጅ ሓሳብ ፈጠራ ዜጋታት ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምቕያር ዘኽእል እዩ-ሚኒስትር በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ሓሳብ ፈጠራ ዜጋታት ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንምቕያር ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘሳለጦ ካልኣይ ህፁፅ ኣኼባ ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ምፅዳቑ ዝፍለጥ እዩ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ነዚ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያ ህንፀት ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብምሕንፃፅ እናሰርሐት ከምዝኾነትን ዓወታት ከምዝተመዝገቡን ተዛሪቦም።
ሓሳብ ፈጠራ እውን ከም ካልኦት ዓውድታት ንህንፀት ኢኮኖሚ ሃገር ሰረት ንክኾን ኣዋጅ ከምዝተዳለወሉ ሓቢሮም።
እቲ ኣዋጅ ስነ ምህዳር ስታርት ኣፕ ብምፍጣር ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ሰረት ከምዝኸውን እውን ፀሪሖም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ዘለዎም ዕቑር ዓቕሚ ብዝበለፀ ኣብ ዕቤት ሃገር ንከውዕልዎ ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ኣዋጅ ከምዝተዳለወ ኣብራህሪሆም።
እቲ ዝፀደቐ ኣዋጅ ስነ ምህዳር ስታርት ኣፕ ንምጥንኻር ዘኽእል ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር እውን ኣረዲኦም።
ዜጋታት ዘለዎም ሓሳብ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ንክቕይሩ ምችው ኩነታት ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ስነ ምህዳር ስታርት ኣፕ ተወዳዳሪ ንክትኸውን ዘኽእል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ንምፍጣር ዘኽእል ኣዋጅ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ኣዋጅ ንሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ እውን ልዑል ስለዝኾነ ንውፅኢታውነቱ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።