ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምዓት ኮሪዶር ንካልኦት ከተማታት ተሞክሮ ብምክፋል ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እናሰርሓ እዩ -ከንቲባ አዳነች አቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምዓት ኮሪዶር ንካልኦት ከተማታት ተሞክሮ ብምክፋል ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እናሰርሓ እዩ -ከንቲባ አዳነች አቤቤ

ኣሶሳ/ሓምለ/ 6/2017 (ኢዜአ)፦ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልምዓት ኮሪዶር ንካልኦት ከተማታት ተሞክሮ ብምክፋል ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እናሰርሓ እዩ ክብላ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ርክብ ኣመራርሓ ምስ ኣመራርሓ መድረኸ ልውውጥ ተመክሮ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተኻይዱ ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ አዳነች አቤቤ ኣብ እቲ መድረኸ ከም ዝበለኦ ምምሕዳር ከተማ የሳልጦም ዘለዉ ልምዓት ኮሪዶር ንካልኦት ከተማታት ተሞክሮ ብምክፋል ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እነሰርሓ ምኹኑ ኣመልኪተን
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን አመራርሓ ምስ ኣመራርሓ ርክብ ልውውጥ ልምዲ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተካይዱ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኦ፥ ምምሕዳር እታ ከተማ እናሰርሖም ዝርከብ ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ተሞክሮ ከተማታት ብምክፋል ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ።
ብብርኪ ሃገር እናተኻየደ ዝርከብ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተሳትፎ ሕብረተሰብን ቆራፅ ኣመራርሓን ይስራሕ ከምዘሎ ፀሪሓን።
እቲ ኘሮጀክት ብቅልጡፍ ንምዞዝዛም ተሞክሮ ብምዕባይ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ምዕባይ ምኽኣሉ እተን ከንቲባ ተዛሪበን።
ኣብ ኣሶሳ ዝርከብ ልምዓት ኮሪደር ስራሕቲ ምንቅስቓስ ዑደት ዝገበራ እተን ከንቲባ፥ ልምዓት ኮሪደር ምስሊ እታ ከተማ ዝቐየረን ንኢንቨስትመንት ምችው ንክኸውን ከምዝገበረን ተዛሪበን።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፥ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ክልል ስራሕቲ ልምዓት እናካየድዎ ዘለው ደገፍ ኣመሲጊኖም።
ምስ ምምሕዳር እታ ከተማ ዘካየድዎ ሰናይ ልውውጥ ተሞክሮ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ተበፃሒነት ንምዕባይ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኣብ እቲ መድረኸ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ለዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ተሳቲፎም ።