ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለመዳያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ንክረጋግፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም-ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ




 

ኣርባ ምንጭ/ሓምለ/ 5/2017(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኢንሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለመዳያዊ ዕቤት እታ ሃገር ንክረጋገፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝርከቡ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(/) ገሊፆም።

ሓለፍቲ ዘፈር ርክብ ህዝቢ ክልላትን ፌደራልን ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ጎቦ ጋንታ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኢንሼትቫት ሓምለዋይ ኣሰር ኩለመዳያዊ ዕቤት እታ ሃገር ንክረጋግፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም ዝርከቡ።

ሓምለዋይ ልምዓት ዝባደሙ ከባብታት ንክሓውዩ ኣብ ምግባር፣ማይ ከርሰ ምድሪ ኣብ ምጥንኻርን ፍርያትን መፍረያይነትን ኣብ ምዕባይን ዘይትካእ እጃም እናበርከተ ይርከብ ኢሎም።

ኣብ ኣርባ ምንጭ ጎቦ ጋንታ ምስ ኣመራርሓን ነበርትን እቲ ከባቢ ብምዃን ሓምለዋይ ኣሰር ምንባሮም ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ተረኽ ሓድነት፣ሕብረት፣ሕውነትን ኣሓትነትን እውን ኢና ተኺልና ክብሉ ተዛሪቦም።

ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ትልሚ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ከምዘሳለጠ ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም