ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ብቑዕ ሰራዊት ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ወታደራዊ ቴክኖሎጂታት እናፈጠረ እዩ- ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ረጋሳ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 5/2017(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ  ብቑዕ ሰራዊት ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ወታደራዊ ቴክኖሎጂታት እናፈጠረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ረጋሳ ገሊፆም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብመርሃ ግብርታት ትምህርቲ ምህንድስና፣ሳይንስ ጥዕና፣ቢዝነስ፣ምምሕዳር ሃፍትን ካልኦትን ብቀዳማይ፣ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ፣ሚኒስት መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(/)፣ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕናን ምክትል ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፣ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል፣ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ቤተሰብ ተመረቕትን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ረጋሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ወታደራዊ፣ሲቪልን ተማሃሮ ጎረቤት ሃገራትን ኣብ ምስልጣን ይርከብ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ብክእለት ብቑዓት ዝኾነ ሓይሊ ሰብ እናፍረየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘብፅሑ ወታደራውን ሲቪልን ኣመራርሓ ኣብ ምፍራይ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን ሃገር ዘሻግሩ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ኣብ ህንፀት ዝሰልጠነ ሰራዊት ምክልኻል እውን እናሓገዘ እዩ ኢሎም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ሽምን ክብርን እቲ ሰራዊት ብዝምጥን መልክዑ ዝተዋቐረ እንትኸውን፤ ካብ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መፅናዕትን ነቲ ሕብረተሰብ ዝጠቕሙ ተግባራትን እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ዘበናዊ ሰራዊት ንምህናፅ ካብ ወፃኢ እተእትዎም ቴክኖሎጂታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

ተመረቕቲ ብዝረኸብዎ ፍልጠን ክእለትን ሃገሮም ብብቕዓት ከገልግሉ ከምዘለዎም እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም