ከንቲባ አዳነች አቤቤን ኣባላት ቤት ምኸሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ አዳነች አቤቤን ኣባላት ቤት ምኸሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም

አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 5/2017(ኢዜአ)፦ ከንቲባ አዳነች አቤቤን ኣባላት ቤት ምኸሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ጎቦ እንጦጦ ኣንቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ -ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ "ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰነ 20/2017 ዓ/ም ብዕሊ ምጅማሮም ይፍለጥ ።
ሎሚ ዘበን ብብርኪ ሃገር ለኸ 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ኣብ ኩሎም ከባቢታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ምስላጥ ይርከብ ።