ሓምለዋይ ኣሰር ግድባትን ቃላያትን ብሑፃ ንከይመልኡ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ  ሓምለዋይ ኣሰር ግድባትን ቃላያትን ብሑፃ ንከይመልኡን ማይ ከርሰ ምድሪ ንክውስኽን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ሱልጣን ወሊ(/ /) ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመትብምትካል ምንስርራእኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 / ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2017 / 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተጠናኸረ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ከምኡ እውን ተፀዋዕቲ ትካላት ሎሚ ንጉሆ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ሱልጣን ወሊ(/ /) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኩለመዳያዊ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(/) ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር በቢዓመቱ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።

እቲ መርሃ ግብሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ፈልሲ ብምትካል ሕዳሰ ግድብ ብሑፃ ከይመልእ ንምክልኻል ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ታመነ ሃይሉ (/) እቲ መርሃ ግብሪ ሃፍቲ ማይ ምጥንኻር ከምዘኽእል ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም