መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ እናገበረ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ




ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2017(ኢዜ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ስርዓተ ምህዳር ብምጥንኻር ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ እናገበረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴን ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንትን ኣብ ጎቦ የካ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ትሩፋት እናተረኸበሉ እዩ።
ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ልዑል ኣፍልጦ ንክትረክብ ዘኽኣለ እዩ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከምዝተረኸበሉ ብምግላፅ፤ ስርዓተ ምህዳር ዝባደመ ከባቢ ንክሕደስን ንክልምልምን እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ምንሽርታት ኣብ ምክልኻልን ሃፍቲ ማይ ኣብ ምሕላውን እውን ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ኣፍሪካ በረኻነት ንምክልኻል መርኣያ ዝኾነ ተበግሶ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሓምለዋይ ኣሰር ተዳኺሙ ዝነበረ ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ንከንሰራርእ እናገበረ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ምስ ሂወት ወዲ ሰብ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስታፍ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ናይ ምትሕልላፍ ሃገራዊ ኣጀንዳ ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረትሰብ ፈልሲ ኣብ ምትካል ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
 ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዕዉትነት እቲ መርሃ ግብቲ ሓሳብ ካብ ምፍልፋል ጀሚሮም ክሳብ ተግባር ንዝገብርዎ ዘለዉ እጃም መሪሕነት ምስግና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም