ፅርይትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ መራኸብቲ ሓፋሽ እጃሞም ከጠናኽሩ ኣለዎም-ሚኒስትር ዴኤታ ተስፋሁን ጎበዛይ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /4/2017(ኢዜኣ) ፅርይትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ናብ ወለዶ ንምትሕልላፍ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓበሬታ ኣብ ምብፃሕን ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ዘለዎም እጃም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሊፆም።

በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ምስ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ብምትሕብባርፅርይቲ ኢትዮጵያ ባህሊ ምግባርኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ ንሰብ ሞያን ሓለፍትን ሚድያ ካልኣይ ዙር ስልጠና መጨበጢ ግንዛበ ሂቡ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣመራርሓን ሰብ ሞያን መኸብቲ ሓፋሽ ተረኺቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብዚ እዋን፤ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ትኹረት ሂባ ካብ ትሰርሐሎም ስራሕቲ ልምዓት እቲ ሓደን ቀንድን እዩ ኢሎም።

ብኽለት ከባቢ ብምክልኻል ፅርይቲ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ፕላስቲክ ብወረቐት ንምትካእ ዝተጀመረ ስራሕ እውን ከም ሃገር ሓዱሽ ልምዓትን ዝነኣድን ተበግሶ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ንተግባራዊነቱን ዕዉትነቱን እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ትኽክለኛን ግንዛበ ዝፈጥሩን ሓበሬታታት ኣብ ምብፃሕ እጃሞም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ብምኽንያት ብኽለት ዝበፅሑ ፀገማት ጥዕና ቀዲምካ ብምክልኻል ዝማዕበለትን ፅርይትን ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ዜጋ ኣምባሳደር ሓለዋ ከባቢ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ ብግደአን፤ መንግስቲ ምስ ሓለዋ ከባቢ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ከምዘሳለጠ ተዛሪበን።

ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን እውን ከም ኣብነት ፀሪሐን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም