ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድ ልምዓት እናሳለጠት እያ ትርከብ-ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድ ልምዓት እናሳለጠት እያ ትርከብ-ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 3/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝነኣድ ልምዓት ሓለዋ ከባቢ እናሳለጠት ከምዝኾነት ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት”ብምትካል ምንስርራእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ።
ስለዝኾነ እውን 7 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ብምትላም ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ ይርከብ።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ምስ ተወከልቲ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ካልኦት መሓዙት ልምዓትን ብምዃን ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ረዳት ተወካሊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውሕመ ዴቪድ ካርፕ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ሎሚ ንካልኣይ ግዜ ምስ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ጉዳይ ስደተኛታት ውሕመ ብምዃን ሓምለዋይ ኣሰሮም ምንባሮም ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ተሳትፈኦም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣረጋጊፆም።
ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ፕሮግራም ምግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ኬቪን ሆጅሶን ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ትህቦ ተፈጥሮኣዊ ምላሽ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ብምስታፎም ሕጉስ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ተሳትፎኦም ከምዝቕፅልሉ ሓቢሮም።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ሙሉዓለም ደስታ፤ እቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት መዕቖቢ ስደተኛታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ፈልስታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ንክፀድቁ ተኸታታሊ ክንክን እናገበረ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም።
ስራሕ ተኸላን ክንክን ፈልሲ ጎና ጎኒ ብምስላጥ ዝተተኸሉ እፅዋት ንፍርያት ንክበቕዑ ምግባር ከምዝግባእ መራሒት ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ምስራቅ መሐመድ ገሊፀን።