መንግስቲ ብኹሉ መዳያት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መሰረት ዘንብሩ ውፅኢታዊ ተግባራት ኣሳሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ብኹሉ መዳያት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መሰረት ዘንብሩ ውፅኢታዊ ተግባራት ኣሳሊጡ

ጎንደር/ ሓምለ/ 3/2017(ኢዜአ)፡- መንግስቲ ኣብ ዝዛዘም ዘሎ በጀት ዓመት ብኹሉ መዳያት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መሰረት ዘንብሩ ውፅኢታዊ ተግባራት ምስላጡ ተገሊፁ።
"ጠንካራ ኣወዳድባ ንኩለመዳያዊ ብልፅግና"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ገምጋም 2017/ዓ/ም ን መድረኸ ሌላ ትልሚ 2018 ኣብ ከተማ ጎንደር ይካየድ ኣሎ ፡፡
ኣብ እቲ መድረኸ ገምጋም ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ይዛዘም ኣብ ዘሎ በጀት ዓመት ብኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ንሃገር ናብ ብልፅግና ዘሸጋግሩ ትርጉም ዘለዎም ውፂኢታዊ ተግባራት ምስላጥ ተኻኢሉ ኢሎም ፡፡
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ኮሪደር ልምዓትን ሰላምን ንምጥንኻር ዝተሰርሑ ስራሕቲን ዝንኣድ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ገሊፆም።
ዝተረኸቡ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ዋጋ መነባብሮን ልምዓት ህዝብን ብግቡእ ንምምላስ ዝበለፀ ስራሕቲ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ምዕባለ ከተማታት ንምቅልጣፍን ኩነታት ናብራ ህዝቢ ንምዝማን ኣብ መላእ ሃገርና እናተሳለጡ ዘለዉ ስርሓቲ ልምዓት ኮሪዶር ከተመታይነት ብምልባስ ሓድሽ ተስፋን ብርሃንን ዝደጉሑ ተግባራት ልምዓት ምኹኖም ከም ኣብነት ፀሪሖም ፡፡