ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ኢንሼቲቫት ብምቕራፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ኢንሼቲቫት ብምቕራፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 3/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ኢንሼቲቫት ብምቕራፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ምስ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ብምትሕብባር “ካብ ራኢ ናብ ተግባር፤ ጉዕዞ ሽግግር ዘላቕን ሓቛፍን ስርዓት ምግቢ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ስርዓተ ምግቢ ኢትዮጵያ ትኹረት ዝገበረ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለዩ ትከላት ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ወዲ ሰብ ንምንባር ካብ ዘድልይዎ ነገራት ኣየር፣ማይ፣ምግቢ ከምኡ እውን ኢነርጂ ተፀራሕቲ እዮም።
ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ምግቢ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምፍራይ ምኽኣል እውን ከምዝሓውስ ሓቢሮም።
ስሎዝኾነ እውን ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ኢንሼቲቫት ብምቕራፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓውዲ ዝነኣድ ውፅኢት ስለዘመዝገበት እውን መበል 2ይ ኣኼባ ስርዓት ምግቢ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ካብ 20 ክሳብ 22 ሓምለ 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክተተኣናግድ ከምዝተመረፀት ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ሽግግር ስርዓት ምግቢ ዘቀላጥፉ ዝተፈላለዩ ብሄራዊ ፕሮግራማት ብምሕንፃፅ ብትኹረት እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም።
ኢንሼቲቫት ትሩፋት ሌማት፣ልምዓት ስርናይ፣ሓምለዋይ ኣሰር፣ምገባ ቤት ትምህርትን፣ኢትዮጵያ ተፍርን ቃል ኪዳን ሰቖጣን ከም ኣብነት ገሊጾም።
ብመበገሲ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተግባራዊ ዝተገበሩ ትሩፋት ሌማት መፍረያይነት ፀባ፣እንቋቁሖ፣ስጋ፣ዓሳን መዓርን ብምውሳኽ ቀረብን ተበፃሕነትን ብንጥረ ነገር ዝማዕበለ ምግቢ ምምሕያሽ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።
እቲ ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ውሕመ ብዓወት ንምዝዛም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።
እቲ ጉባኤ ብዓወት ንክዛዘም መራኸብቲ ሓፋሽ ግቡእ ሽፋን ብምሃብ ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ኣካል እዚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን መፍረያነት ንምዕባይን ልዑል ትኹረት ብምሃብ ናብ ተግባር ከምዝኣተወት ተዛሪቦም።
ኢዜኣ እውን ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዘላቒ ንክኾኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቕን ሓቛፍን ጉዕዞ ሽግግር ስርዓት ምግቢ ጋህዲ ንክኸውን ዓብይ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።