ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ መናእሰይን ፈጠርቲ ስራሕን እታ ኣህጉር ዘለዎም ምትእስሳር ንከጠናኽሩ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 2/2017(ኢዜኣ) ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ መናእሰይን ፈጠርቲ ስራሕን እታ ኣህጉር ዘለዎም ምትእስሳር ንከጠናኽሩ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ተዛሪበን።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክካየድ ንዝፀንሐ ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ብትኹረት እናሰርሐት እያ።

መናእሰይ ኣብታ ሃገር ፈጠርቲ ስራሕን ተረባሕቲ ዕድል ስራሕን ንክኾኑ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተባባዕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ እውን ፀሪሐን።

ንዝሓለፉ 3 መዓልትታት ክካየድ ዝፀንሐ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ፤ መናእሰይን ፈጠርቲ ስራሕን እታ ኣህጉር ዘለዎም ምትእስሳር ንከጠናኽሩ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣፍሊጠን።

እቲ መድረኽ፤ ልውውጥ ልምዲ ብምግባር ተሞኩረኦም ንክካፈሉን ኣብቲ ዓውዲ ዘጋጥሙ ፀገማት ሓባራዊ መፍትሒ ንምንዳይን ምችው ኩነታት ንክፈጥሩ ገይሩ እዩ ኢለን።

እቲ ፎረም፤ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ብሓባር ኣብ ዝሰርሓሎም ጉዳያት ስምምዕ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ቀፃሊ ኣንፈታት ዘቐመጣሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

ቀፃልነት ዘለዎ ልምዓት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ኣብ ኢኮኖሚ፣ልምዓትን መሰረተ ልምዓትን ሓባራዊ ርብርብን ፃዕርን ዝሓትት ከምዝኾነ ኣብራህሪሀን።

ኣብዚ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዕድል ስራሕን ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ምስ ሃገራት እታ ኣህጉር ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኪራ ከምትቕፅለሉ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም