ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ብልምዓት ኣብ ዝተኣሳሰራሎም ምችው ኩነታት ብትኹረት እናሰርሐት እያ-ኣይተ ኣደም ፋራህ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /2/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ብልምዓት ኣብ ዝተኣሳሰራሎም ምችው ኩነታት ብትኹረት እናሰርሐት ከምዝኾነት ብመዓርግ ምክትል ቀዳማ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክካየድ ንዝፀንሐ ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ብልምዓት ኣብ ዝተኣሳሰራሎም ምችው ኩነታት ብትኹረት እናሰርሐት እያ ትርከብ።

ብፍላይ ድማ መናእሰይ እታ ኣህጉር ኣብ ልምዓት፣ኢኮኖምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዝዋደድሉ ኩነታት ምምችቻው እቲ ቀንዲ እዩ ኢሎም።

ንዝሓለፉ 3 መዓልትታት ዝተኻየደ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ኣካል እዚ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኢኮኖሚ፣ልምዓትን ተዛመድቲ ስራሕትን ዘለወን ምትሕብባር እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ዕቑር ሃፍቲ ተፈጥሮ እታ ኣህጉር ብምልማዕ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብቶም ዓመታት ለውጢ ዘሳለጠቶም ሃገራዊ ሪፎርም እዞኣቶምን ካልኦት ስራሕትን ብኣግባቡ ንክተሳልጥ ከምዘኽኣላ ኣፍሊጦም።

ብፍላይ ድማ 5 ዓምድታት ልምዓት ኢኮኖሚ ብምፍላይ ተሳልጦ ብዘላ ስራሕ ዝተባባዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣብራህሪሆም።

ዘላቒ ልምዓት እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ሓቛፊ ህንፀት ልምዓት ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም