ኣብ በጀት ዓመት 2017 ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ ፍርያት ቡን 2 ነጥቢ 65 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ-በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ ፍርያት ቡን 2 ነጥቢ 65 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ-በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 2/2017(ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ ፍርያ ቡን 2 ነጥቢ 65 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ካብ ቡን ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ለውጢ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝተመዝገበ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣዱኛ ደበላ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም 326 ሽሕ ቶን ቡን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ንምርካብ ብምትላም ክስራሕ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ከባቢ 470 ሽሕ ቶን ፍርያት ቡን ናብ ወፃኢ ከምዝተልኣኸ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ 2 ነጥቢ 65 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ዝተረኸበ ኣታዊ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ዝገብራ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ዓለም ድማ ሳልሳይ ኣፍራይትን ለኣኺትን ቡን ከምዝገብራ ኣብራህሪሆም።
ካብ ቡና ዝርከብ ኣታዊ ንምምሕያሽ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ለውጢ ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ኣታዊ ንክውስኽ ከምዘኽኣሉ ፀሪሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ዝተልኣኸ ፍርያት ቡን 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ብምዝኽኻር፤ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ካብ ዝሓለፈ ዓመት 1 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ወሰኽ ኣለዎ ኢሎም።
ካብ ዓውዲ ቡን ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ሪፎርም ፖሊሲ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ድማ ሓረስቶት ብቀጥታ ናብ ወፃኢ ዘቕርብሉ ስርዓት ከምዝተመቻቸወ ኣረዲኦም።