መርሃ ግብር ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ዕቀባ ሓመድን ማይን ናይ ምውዳድ ስራሕ ብስፍሓት ይነጥፍ ኣሎ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/1/ 2017 /ኢዜአ/ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ እዋን ሓጋይ እናትኻየዱ ምስ ዝፀንሑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ብስፍሓት ይነጣጠፍ ኣሎ።

ሓላፊት እቲ ቤት ዕዮን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለም ፀሃይ ጳውሎስ፥ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር  ቀዳማይ ሚኒስትር ብወግዒ ካብ ዝጅመርዎ ንደሓር ብርክት ዝበሉ  ዜጋታት ኣብ ምትካል ይነጥፉ ከምዘለዉ ሓቢረን

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ሎሚ ንጉሆ ኣብ ጎቦ የካ ተረኺቦም ምስ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ይሳተፉ ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ 100 ሺሕ ፈልስታት ናይ ምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪበን።

ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ዕቀባ ሓመደን ማይን ኣብ ዝተኻየደሎም ቅድም ክብል ብፈልስታት ተሸፊኖም ኣብ ዝነበሩ ስፍራታት ምክያዱ ገሊፀን።

እቲ መርሃ ግብሪ ብቐፃልነት  ስንቂ ናይ ፅባሕ ወለዶ ምዃኑ ሓቢረን።

ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ኣብ ከባቢኡ ብንቕሓት ብምስታፍ ኣሰሩ ንከንብር ፃውዒት ኣቕሪበን

"ብምትካል ምንስርራእ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ዘሎ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሸውዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ቢሊዮን ፈልስታት ክትከሉ እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም