ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝተጣየሸ ሰብኣዊ ኣሰር ንምንባር ትኹረት ክህብ ይግባእ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምሌ /1/2017(ኢዜኣ) ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝተጣየሸ ሰብኣዊ ኣሰር ንምንባር ትኹረት ክህብ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ገሊፆም።

መበል 90 ዓመት መዓልቲ ምስረታ እቲ ማሕበር90 ዓመታት ዝተሻገሩ ኣሰር ሰብኣዊ ኣገልግሎታትኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ማሕበር ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ፣ነበር ፕሬዚዳንትታት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሙላቱ ተሾመ(/)ን፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ማሕበር ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እቲ ማሕበር ብፈተናታት ኢትዮጵያ ዝተወለደ መግለፂ ርህራሀን ሰናይነትን እዩ።

ተግባር እቲ ማሕበር እውን ምስ ተግባር ልኣላዊነትን ሰብኣዊነትን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስምምዓት ሰብኣዊነት ቅድሚ ምቕባላ እውን እቲ ሕብረተሰብ ሰብኣዊነት ብተግባር ዝነበረሉ ፀጋ ርህራሀ መግለፂኡ ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ማሕበር ዓለም ለኸ ድንጋገታት ተቐቢሉ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን ኢትዮጵያ ዝገጠማ ፈተና ልኣላዊነት ንምምካት ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣባላት እቲ ማሕበር መስዋእትነት ኣካልን ሂወትን እውን ብምኽፋል ብጅግንነት ከምዝዝከሩ ፀሪሖም።

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ እውን ነዚ ኣሰር ሰብኣዊነት ልዑል ምስጋና ኣለዎ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ቅዋም ኣልቦነትን -ሰብኣዊነትን እናጎልሀ ከምዝመፀ ዝገለፁ እቶም ፕፌዚዳንት፤ ምዝሕሓል እቶም ሰብኣዊ ደገፋት እውን ቀንዲ መግለፂኡ እናኾነ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቀፃሊ ትኹረቱ ሰብኣዊ ተግባር ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ንምስላጥ ዘላቒ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብብርኪ ሃገር ብምግቢ ዓርስና ንምኽኣልን ብኢኖቬሽን ዓርስና ንምብቃዕን ለይትን ቀትርን ከምንተግህ ኩሉ ተመፅዋታይነት ንምትራፍን ዝተጎድኡ ወገናት ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ምድጋፍን ጉዳይ ልኣላዊነት ገይርና ክንሓስብ ኣለናኢሎም።

ነዚ ድማ ንባህግና ዝምጥን ፅሬት ሓሳብ፣ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሓዘ ኣሳታፊ ኣሰራርሓ ምትካል ይግበኣና ክብሉ ፀሪሖም።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ማሕበር መበል 100 ዓመቱ እንተኽብር፤ ህዝባዊ መሰረቱ ኣስፊሑ፣ብፅሬት ኣተሓሳስባ፣ ብገንዘብን ፍልጠትን ዓርሱ ክኢሉ፣ነዚ ዘበን ዝምጥን ሕጋዊ ማዕቐፍ ሒዙ፣ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባን ኣብ ኣፍሪካን መርኣያ ሰብኣዊነት ዝኾነ ዓብይ ትካል ኮይኑ ክርከብ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ማሕበር ደገፍ ዝገብር ሰብኣዊ ዕላማታት እቲ ማሕበር ምስ ነባር ፀጋታት ሃገርና ዝተጠዓዓሙ ስለዝኾኑ እውን እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ኣበራ ቶላ፤ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ መላእታ እታ ሃገር መሓውሩ ብምስፋሕ ሰብኣዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ማሕበር ዕላምኡ ምዕዋት ዘኽእሎ ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ደገፍ መንግስቲ ልዑል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ማሕበር ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ቁፅሪ ኣባላቱ 20 ሚልዮን ብምብፃሕ ወፃኢኡ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ንምሽፋን ትልሚ ከምዝሓዘ እውን ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም