ዶብ ሰገር ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሰባት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳር ባህልን ዘጠናኽር እዩ-ወለንታውያን መናእሰይ




 

መቐለ/ሰነ/ 30/2017(ኢዜኣ) ዶብ ሰገር ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሰባት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳር ባህልን ዘጠናኽር እዩ ክብሉ ዶብ ተሳገርቲ ወለንታውያን መናእሰይ ገሊፆም።

ካብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ዝተውፃእፅኡ ወለንታውያን መናእሰይ ኣብ ክልል ትግራይ ነፃ ኣገልግሎት ክረምቲ ምሃብ ጀሚሮም።

ኣብዚ ሰሙን እውን እቶም መናእሰይ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ዓራቶ ንመትከሊ ፈልሲ ዝኸውን ኳዕቲ ጉድጓድን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ኣሳሊጦም።

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተሳተፉ መናእሰይ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ናይ ክልል ትግራይ ፃንሒቶም እቲ ማሕበረሰብ ንምግልጋልን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ንምስታፍን ድሉዋት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ዶብ ሰገር ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሰባት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳር ባህልን ብዘጠናኽር መልክዑ ፃንሒት ከምዝህልዎም ሓቢሮም።

ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝመፀ መንእሰይ ጋቢሳ ነጋሱን ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመፀ ፍቅረሰብ ኣለሙን፤ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ ኣብ ፃንሒቶም እውን ሰናይ ስራሕቲ ብምስላጥን ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ብምሕጋዝን ንምሕላፍ ከምዝተዳለዉ ፀሪሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሃ ቋንቋ፣ባህልን መስሕባት ቱሪዝምን ስለ ዘለዉ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት እውን ብዝሃ ፍልጠት፣ምትእስሳር ባህልን ማሕበራዊ ፀጋታትን ከምዝካፈሉ ኣረዲኦም።

ካብ ድሬዳዋ ዝመፀ መንእሰይ ፈልመታ ኣህመድ፤ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር፣ብዙሕ ህዝብን ዕቑር ሃፍትን ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ዶብ ሰገር ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዋላ እውን ብውሕዱ ይኹን ንክንፈልጣ ይሕግዘና እዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ እውን ብርክት ዝበሉ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሃፍትታትን ታሪኻትን ኣብ ዝርከብዋ ክልል ትግራይ ብምርካብ ነፃ ኣገልግሎት ምሃበይን ናይ ምጉብናይ ዕድል ምርካበይን ተሓጕሰ እየ ክብል ገሊፁ።

ካብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝመፀት መንእሰይ ማረጋ ሙሉጌታ ብግደኣ፤ ሓድነት ህዝብናን ሃገርናን ንምጥንኻር ተዛመድቲ ዶብ ሰገር ስራሕቲ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ሓቢራ።

መናእሰይ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዋላ ነንሕድ ሕዶም ናይ ምፍላጥ ዕድል እንተሃለወ ባህልን ሃፍቲ ቱሪዝምን ብኣግባቡ ንምፍላጥ ግና ዑዱት ዓብይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊፃ።

ሰላም፣ልምዓትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መናእሰይ ዝለዓለ እጃም ስለዘለዎም ኣብ ተዛመድቲ ስራሕቲ ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ እውን እቶም መናእሰይ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም